ዩኒሴፍ: ኣብ ሶማል ህጻናት ብሕጽረት ዝተመጣጠነ መግቢ ንዓጸቦ ምቕልዖም ይገልጽ

Your browser doesn’t support HTML5

ዩኒሴፍ: ኣብ ሶማል ህጻናት ብሕጽረት ዝተመጣጠነ መግቢ ንዓጸቦ ምቕልዖም ይገልጽ

ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ኣብ ሶማል ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ዝኾኑ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህፃናት ብሕፅረት ዝተመጣጠነ መግቢ ንዓፀቦ ይቓልዑ ኣለዉ ክብል ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል መግብን ሕርሻን ደርቂ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፟ 1.5 እንስሳት ቀቲሉ መጠን ምህርቲ ዘራእቲ ብዝለዓለ መጠን ክቅ፟ንስ ገይሩ ኢሉ ። እቶም መግለፅታት ቅልጡፍ ህፁፅ ሓገዝ እንተዘይተረኺቡ ብዙሓት ክሞቱ ከምዝኸእሉ ይሕብሩ።

ውሕስና ዝተመጣጠነ መግቢ ሶማል ኣብ ቀረባ ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ ገምጋም ካብቶም 1.4 ሚልዮን ህፃናት ናብ ከባቢ 329,500 ዝፅግዑ ማለት'ውን እቶም ርብዒ ዝኾኑ ኣብዚ ዓመት ንዝከፍአ ሕፅረት ዝተመጣጠነ መግቢ ክቃልዑ እዮም ይብል።