ሰበ ስልጣን የመን ልዕሊ 130 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ብቐዳም ካብ ወደብ ሆደዳህ ምጥራዞም ኣፍሊጦም።
“ሎሚ 132 ዝኾኑ ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ንጥርዝ ኣለና። እዞም ስደተኛታት ካብ ኢትዮጵያ ዝመጹ እዮም። ቅድሚ ክልተ መዓልታት 100 ዝኾኑ ጠሪዝና። እዚ ናይ መጀመርያ ኣይኮነን፡ናይ መወዳእታ ኸአ ኣይኮነን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብብዝሒ ስደተኛታት ዝመጽሉ ጊዜ’ዩ።” ክብሉ ጋብር ኣል- ራዘይ ኣመሓዳሪ ትካል ሃገራዊ ሰብኣዊ ጉዳያትን ግብረ መልሲ ሓደጋ የመን ገሊጾም።
ሓደ ካልእ በዓል ስልጣን መንግስቲ የመን ካብ ከተማ ዓደን ኣብ ወርሒ መጋቢት ጥራይ 15,000 ስደተኛታት ኣብ መፈተሺ ኑቕጣ’ታ ከተማ ከምዝተታትሕዙ ይሕብሩ።
የመን እታ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ እታ ዝደኸየት ሃገር ንብዙሓት ካብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ዝስደዱ ስደተኛታት መተሓላለፊ ኮይና ጸኒሓ’ያ።
Your browser doesn’t support HTML5
ዝበዝሑ ካብዞም ስደተኛታት ኣብ ሃገራቶም ካብ ዘሎ ግጭትን ጥምየትን ብምህዳም ነዚ ኣሰቃቂ ጉዕዞ ብምሕላፍ ኣብ ሃገራት ስዑዲ ዓረብን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝሓሸ ናብራ ንምርካብ ዝጉዓዙ’ዮም።
ብመሰረት ሓበሬታ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዋላ’ዃ የመን ንምብጻሕ ዝካየድ ጉዕዞ ሓደገኛ እንተኾነ ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ዘሰክፍ እንተኾነ ቁጽሪ ናብ የመን ዝስደዱ ስደተኛታት ካብ ኣብ 2015 ዝነብረ 92,000 ኣብ 2016 ናብ 117,000 ወሲኹ’ዩ።
ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ነቲ ኣብ ስደት ዘሎ መሪሕነት የመን ናብ መዝነቱ ክመልሱ ምስቲ ብኢራን ዝሕገዝ ተቓወምቲ ሑቲ ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኹናት የካይዱ ምሕላዎ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ብሰንኪ’ዚ ኹናት ልዕሊ 10,000 ሰባት ዝሞቱ ክኮኑ ከለው ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ድማ ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ነታ ሃገር’ውን ኣብ ደረት ጥምየት ትርከብ።