ዝምድና ኬንያን ሶማልንን ይመሓየሽ ኣሎ

ርክብ ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢ ሶማልን ኬንያን

ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ሶማልን ኬንያን ብሰንበት ድሕሪ ዘካየዱዎ ርክብ፡ ሻሕኪሩ ዝጸንሐ ዝምድና ክልተ ሃገራት ይመሓይሽ ከም ዘሎ ተገሊጹ።

ብሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኬንያ ረይቸል ኦማሞ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኬንያ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል መሓመድ ሒሴን ሮበለ ተራኺቡ ዘትዩ።

ድሕሪ’ቲ ርክብ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዘመልክቶ፡ እቶም መራሕቲ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ሓርፊፉ ንዝጸንሐ ዝምድና ብምዕራይ ኣብ መዳያት ዲፕሎማሲ፡ ንግዲን ጸጥታን ክተሓገገዙ ተሰማሚዖም።

ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ንቐዳማይ ሚንስተር ሶማል ንሃገሩ ክበጽሕ ዕድመ ከም ዝለኣኸሉ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ማያዊ ዶባት ክልተ ሃገራት ንዘሎ ክርክር፡ ሶማል ብኣህጉራዊ መጋብኣያ ዘ-ሄግ ክትፈትሖ ክትሓትት እንከላ፡ ኬንያ ግን ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ብዝግበር ርክብ ክፍጸም ከም ዝኽእል’ያ ትምጕት።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሶማል፡ “ኣብ ውሽጣዊ ምሕደራ ጣልቃ” ትኣቱ ኣላ ብምባል ንመንግስቲ ኬንያ ከሲሱ ነይሩ። ብወገን ኬንያ ግን እቲ ክሲ ተነጺጉ’ዩ።

ተንታኒ ዓሊ ዓብደልቃድር ከም ዝገልጾ፡ ርክብ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ክልተ ሃገራት፡ ምልክት ምምሕያሽ ዝምድና’ዩ። ኣብ መንጎአን ዝጸንሐ ቀንዲ ጠንቂ ግጭት ብዛዕባ ማያዊ ዶባት ዝነበረ ምስሕሓብ ምዃኑ ዓሊ ይገልጽ። “ሕጂ ግን መንግስቲ ኬንያ እቲ ኣህጉራዊ ብይን ከም ዘይልውጥ ስለ ዝዝከረ ዝምድናኡ ከዕሪ ዝመረጸ ይመስል” ይብል።

ኬንያ፡ ካብ 2011 ኣትሒዛ ሓንቲ ካብተን ሰራዊተን ንዕጡቕ ጕጅለ ኣልሸባብ ንምቅላስ፡ ናብ ሶማል ዝለኣኸት ኣባላት ሃገራት ኣፍሪቃዊ ሕብረት’ያ። ኣምሳያ ናቱ ድማ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ኣብ ውሽጢ ኬንያ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ዝዝከር'ዩ።