ኣዲስ ኣበባ —
ብሰንኪ ውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ተባላሽዩ ዝነበረ ዝምድና ኢትዮጵያን ምዕራባዊያንን ይመሓየሽ ከምዘሎ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ደመቀ መኮንን ኢትዮጵያ ገሊጾም።
ኣቶ ደመቀ መኮንን ትማሊ ሰኑይ ንቤት ምኽሪ’ታ ሃገር ኣብ ዘቅረብዎ ሪፖርት "መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ንክኣቱ ዘኽእል ምቹእ ባይታ ስለዘጣጠሐ፣ ጸገማት ብሰላም ንክፍትሑ ዘኽእሉ ስጉምቲ ስለዝወሰደን፣ ምስ ምዕራባዊያን ምትእምማን ይፍጠር ኣሎ" ኢሎም።
ንሶም ከምዚ ዋላ’ውን እንተበሉ፣ ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት፣ ምምሕያሽ እንተሃለወ፣ ሎሚ’ውን ጸገማት ከምዝራኣዩ ዝተፈላለዩ ኣካላት ይገልጹ ።