ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ሃይሉ (ካብ ክለብ ኒፖ ደልኮ) ሎሚ ሶሉስ 25 የካቲት ዝተኻየደ 142 ኪሎ ሜተር ዝሸፈነ ካብ ሁየ ናብ ሩሲዚ ዝተቓንዐ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ: ንኮሎምብያዊ ዮናታን ቫለንስያ ተኸቲሉ ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ብምዕዋቱን ብሓፈሻዊ 72 ነጥቢ ድማ ኣብ መሪሕነት ብምምጽኡን ነታ ዝኸበረት ብጫ ማልያ ዙር ሩዋንዳ ክርከብ ክኢሉ ኣሎ።
ተቐዳደምቲ ሄኖክ ሙሉብርሃንን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ድማ ናይ ሳልሳይን ራብዓይን ደረጃ ሒዞም ነቲ ናይ መድረኽ ውድድር ፈጺሞሞ ኣለው።
ብመሰረት ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ዳዊት የማነ ብ 26 ነጥቢ ኣብ ናይ ዓቐበት (ማልያ ንጉስ ዓቐበት) ከምኡውን ብ 16 ነጥቢ ኣብ ናይ ቅጽበታዊ ውድድር (ቀልጠያ ማልያ) ኣብ መሪሕነት ተሰሪዖም ይርከቡ። ተቐዳደምቲ ሄኖክ ሙሉብርሃንን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ድማ ናይ ሳልሳይን ራብዓይን ደረጃ ሒዞም ነቲ ናይ መድረኽ ውድ ር ፈጺሞሞ ኣለው። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዛጊት ዝበለጸት ጋንታ ኮይና ናይ መሪሕነት ቦታ ሒዛ ኣብቲ ውድድር ትቕጽል ምህላዋ ወግዓዊ ሰሌዳ ውጽኢት ዙር ርዋንዳ ይሕብር።
#TdRwanda Stage 3GC @BiniamGrmaye is our new yellow jersey He is the 22nd rider to wear this golden tunic He is the 3rd #Eritrean after @MeraKudus and @DanielTeklehai1The 2nd @NIPPO_Delko_OP_ rider to take the Gold of #TdRwanda after Fedeli 2019 pic.twitter.com/YyovNUezCX
— Tour du Rwanda 2020🚴🏾 (@tour_du_Rwanda) February 25, 2020
ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዙር ርዋንዳ 2019 ተዓዋቲ ምንባሩ ይዝከር።