ዋሽንግተን —
ድሕሪ ውዕል ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ርክባት ኣብ ዶባት ዘሎ ህዝቢ እናሓየለ ከምዝመጸ ክግለጽ ጸኒሑ`ሎ።
እንተኾነ፡ ብዛዕባ ሕጋውነት `ቲ ተርእዮታትን፡ ፖለቲካዊ ኣንፈታቱን፡ ሕቶታት ምልዓሉ ኣይተረፈን።
ንምዃኑ፡ ኣብ`ቲ ዶባት ዘሎ ኩነታት እንታይ ይመስል። ብወገን ህዝቢ ትግራይ ዝርኤ ዘሎ ናይ ምብጽጻሕ ስጉምቲ`ኸ ብወገን ኤርትራ ተመሳሳሊ ምላሽ ይረክብ ኣሎ`ዶ?። ኣብ መንጎ ዶባት ክልተ ሉዑላዊ ሃገራት ክፍጸም ዝግብኦ ሕጋዊ ናይ ኢምግረሽን መስርሕ`ከ- ከመይ ክሳለጥ ይግብኦ ዝብል ሕቶታት ዝሓዘ ዘተ ምስ ዶ/ር ተስፋማርያም መሓሪ ካብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣቶ መሓሪ ዮውሃንስ ድማ ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ እዮም።
Your browser doesn’t support HTML5
ዘተ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝረአ ዘሎ ርክብ ኣብ ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ