ዘተ: ኣብ ጸብጻብ ፍልይቲ ራፖርተር ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን ምላሽ ኤርትራን

Your browser doesn’t support HTML5

ፍልይቲ ራፖርተር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ትማሊ ንባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረብኦ ጸብጻብን መልሲ ኤርትራን

ኣብ መበል 73 ዓመት ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝገምገመሉ መድረኽ ኤርትራ ብዝምልከት እውን መድረኽ ተኻይዱ ፍልይቲ ራፖርተር ሺላ ኪቱሩት ፀብፃበን ኣቕሪበን ነይረን።

ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ውዕል ሰላም እንተገበረት’ዃ ኣብ ውሽጢ ሃገር ግን መንግስቲ ኤርትራ ሎሚ እውን ሰባት ይኣስርን ንዝተቓወሙዎ ይስውርን ኣሎ ኢለን።

ኣብ ጎኒ ጎኒ እቲ መድረኽ እውን “ኤርትራ ኣብ እዋን ሰላም ሰብኣዊ መሰላት ክኽበር ቀሪቡ’ዶ ኣሎ?” ብዝብል ኣኼባ ተኻይዱ ነይሩ።ኣብቲ ኣኼባ ዝተኻፈሉ ሰለስተ ኣጋይሽ ሒዝና ኣለና።

ርእይቶ መንግስቲ ኤርትራ ንምርካብ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ኤርትራ ተልእኾ ናብ ዝርከብሉ ከተማ ኒው ዮርክ ኤምባሲ ኤርትራ ደዊልና ንሎሚ ምላሽ ኣይረኸብናን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ዘተ: ኣብ ጸብጻብ ፍልይቲ ራፖርተር ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን ምላሽ ኤርትራን