ኮቪድ 19 ኣብ ዓለም ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸን መልክዑ እናቀያየረን ይኸይድ ኣሎ:: ንዑዑ ንምክልኻልን ንሓዋሩ ንምጥፋእን'ውን መፅናዕትታትን ምርምራትን ቀፂሎም ይርከቡ ። ነዚ ስዒቡ ድማ ዝተፈላለዩ ክታበታት ተረኺቦምሉ ፤ ገሊኦም ነናይ ባዕሎም ሕፅረታት ክህልዎም ከሎ ስጋብ ሎሚ ውፅኢታውያን ኮይኖም ዝቀፀሉ'ውን ኣለዉ ።ኩሎም ግን ንቫይረስ ኮረና ኣብ ምክልኻል ልዑል ተኽእሎ ከምዘለዎ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሚኒስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ልያ ታደሰ ንኾቪድ ኣመልኪተን ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ኣብ ኢትዮጵያ ብኮረና ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ካብ 2% ናብ 12% ምዕባዩ ቁፅሪ ብፅኑዕ ሓሚሞም ኣብ ሆስፒታል ዝኣተዉን ዝሞቱን እውን ይውስኽ ምህላዉ እያን ገሊፀን ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሰባት ነቲ በብእዋኑ ባሕሪኡ እናቀያየረ ዝመፅእ ዘሎ ሕማም እሞ ድማ ንግዚኡ ተረኺቡሉ ዘሎ መከላኸሊ ክታበት ንዘይምቅባል ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክፈጥሩ ወይ'ውን ዝተፈጥሩሎም ምኽንያታት ኣሚኖም ክቅበሉ ንርእን ንሰምዕን ኣለና ። ነዞም ነቲ ክታበት ኣመልኪቶም ዝፍጠሩ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት መበገሲኦም እንታይ ክኸውን ይኸእል ዝብል ንምርኣይ ክልተ ሰብ ሞያ ሕክምና ዶ/ር ኣረጋይ ግርማይ ካብ ኖርዝ ካሮላይ ጋስተን ኣገልግሎ ሕክምና ስድራ: ዶ/ር ተስፋይ ተጠምቀ ካብ ኣሌክሳንድሪያ ቨርጂንያ ሓኪም ውሽጣዊ ኣካላት አዘራሪብና አለና ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::
Your browser doesn’t support HTML5
Your browser doesn’t support HTML5