ዋሽንግተን —
ኣብ ትግራይ ህዝቢ ንሓደጋት ጥምየት ተቃሊዑ ከምዝርከብ ብዝተፈላለዩ መዳያት ይግለጽ'ሎ ። ኣብዚ ሰባት ዝኽእልዎ ንምሕጋዝ ብውልቀ ኾነ ብማሕበር ክሕግዙ ይፍትኑ ብኻልእ መዳይ ድማ ነቶም ተግባራት ዝጻረሩተቓውሞኦም ከስምዑ ይረአዩ ። እዚ ስለምንታይ ኮይኑ ፣ እንታይ እዩ እቲ ምኽንያት ፣ ከመይ'ከ ይፍታሕ ኣብ ዝብል ኣጋይሽ ዓዲምና ኣለና ። ኣጋይሽና ሄቨን ብርሃኑን ተስፋይ ኑጉስን ይበሃሉ ።
- ሄቨን ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዛት እትነጥፍ' ፣ ኣብ ተጣባቂት መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ካብ መስረቲ ምንቅስቃስስ 'ይኾኖ ሓንቲ እያ ፣ ከምኡ'ውን ማስተርስ ዲግሪ ኣብ ሕጊ መሰል ደቂ ሰባት (In Human Rights Low ) ዝሰርሐትን ቅድም ክብል ኣብ ኣኽሱም ዩኒቨርስቲ መምህር ሕጊ ኮይና ክትሰርሕ ፀኒሓ ሐዚ ድማ ፕሬዝደንት ትንሳኤ ገበሪ ሰናይ ኮሚቴ እያ ።
- ተስፋይ ኑጉሱ ብተፈጥሮ ሳይንስ BA ዲግሪ ኣለዎ ከምኡ'ውን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ዝነጥፍ ተጣባቃይ እዩ ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::
Your browser doesn’t support HTML5
Your browser doesn’t support HTML5