ዋሽንግተን —
ኣብ ውሽጢ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት፣ አብ ልዕሊ ሓረስቶትን ሕርሻን ክልል ትግራይ ዝወረደ ዕንወት መዳርግቲ ኣልቦን እቲ ንዝሓለፉ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት ሓያል ጻዕሪ ዝተገብረሉ ህዝባዊ፣ ውልቃዊን መንግስታዊን ስራሕ ንድሕሪ ዝጎተተ ምኳኑ ኪኢላታትን ሙሁራትን ይሰማምዑ። ‘ሕርሻን ሓረስታይን ትግራይ፣ ካብ’ቲ ሎሚ ዝርከበሉ ብርኪ ዕንወት ኣበራቢርካ ናብ ዝነበሮ ደረጃ ንክበጽሕን ኣብ ጎደና ገስጋስ ንክኣቱን እንታይ ክግበር ኣለዎ?’ ዝብል ቴማ ሒዝና ንሰለስተ ሙሁራትን ተመራመርቲን ኣዘራሪብና ኣለና። ዶ/ር መለይ መኮነንን ዶ/ር ተኽለሃይማኖት ወ/ስላሴን ካብ ኖርዌይ፣ ኣቶ እምነት ነጋሽ ድማ ካብ ዩኒቨርሲቲ ጌንት፣ ቤልጀም እዮም።