ዘተ፤ ኣብ ምዕሩይ ኣጸሓሕፋ ቋንቋ ትግርኛ

  • ገብረ ገብረመድህን

Your browser doesn’t support HTML5

ዘተ፤ ኣብ ምዕሩይ ኣጸሓሕፋ ቋንቋ ትግርኛ

ቋንቋ ትግርኛ ኣሽሓት ዝኣኽሉ መጽሓፍቲን ሰነዳትን ተጻሒፉሉ፡ ንነዊሕ እዋን ከኣ ቋንቋ መራኸቢ ብዙሃን ደኣ ይዅን እምበር፡ ዛጊት ግን ሓደ ምእኩል ናይ ኣጸሓሕፋ ቅጥዒ ኣይሓዘን። እዚ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ወይ ድማ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝምልከት ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ህዝብታት ተዛረብቲ እቲ ቋንቋ’ውን ብተመሳሳሊ ምእኩል ኣጸሓሕፋን ኣገባባት ስርዓተ-ነጥቢን ክሳብ ሕጂ ኣይተበጽሐን። ምናልባት ምጥቃስ ዘድልዮ፡ ምእኩል ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ክንብል እንከሎና፡ ኣብ መንጎ ተዛረብቲ እቲ ቋንቋ ንዘሎ ናይ ላህጃ ፍልልይ ዘይምዃኑ ምንጻር የድሊ።

ቋንቋ ትግርኛ ብኸመይ ናብ ምእኩል ናይ ምጽሓፍ ደረጃ ክበጽሕ ይኽእል ንምዝታይ እምበኣር ፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽን ገብረክርስቶስ ገብረስላሴን ኣዘራሪብና ኣሎና።