ዘተ ሰብ ሞያ ኣብ ትግባረ መሰጋገሪ ፍትሒ ኣብ ኢትዮጵያ

Your browser doesn’t support HTML5

ነቲ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲን ህወሓትን ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ ውዕል ሰላም ስዒቡ ኢትዮጵያ ነቶም ኣብቲ ኲናት ዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል፣ ብመሰጋገሪ ፍትሒ ኣቢላ ተሓታታይነት ንምድናይ ኣብ ምንቅስቓስ ትርከብ። ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ሰብሞያ ሕጊ፣ መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ ብትኽክል ኣብ ግብሪ እንተውዒሉ ንዝተበደለ ህዝቢ ፍትሒ ዘምፅእን፣ ዘላቒ ሰላም ዘረጋግፅን እዩ ይብሉ።