ዕላል ኣብ ማሕበረሰባዊ ዝምድና ኣመንቲ እስልምናን ክርስትናን ነበርቲ ከተማ ደሴ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

Your browser doesn’t support HTML5

ኣመንቲ እስልምናን ክርስትናን ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሓባር ከብዕሉን ክትሓጋገዙን ብፍላይ ኣብ ሃይማኖታዊ በዓላቶም ንቡር ተርእዮ'ዩ። ኣብ ከተማ ደሴ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብዚ ወርሒ እዚ ዝተኸበረ በዓላት ጥምቀትን ጊዮርጊስን ዝያዳ መዓርግ ዝሃብዎ ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ኮይኖም ንረኽቦም። ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብታ ከተማ ዝተቐመጠ ኣቶ ኣስማማው ኣስፋው ኣዘራሪብናዮም ኣለና።