ዓወት ዑቕባይ፡ ሙዚቀኛን ኣወሃሃዲ መሳርሕታት ሙዚቃን ካብ ሚንያፖሊስ መነሶታ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ባድመ ኤርትራ ተወሊዱ። ብንእስነቱ ናብ ሱዳን ከይዱ። ኣብኡ ብባንድታት ሙዚቃ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተጸልዩ። ኣብ ቀያሕቲ ዕንባባ ህዝባዊ ግንባር`ውን ተጠርኒፉ። ድሕሪ ናጽነት ናብ ኤርትራ ተመሊሱ። ናብ ስዊዲን ብምኻድ ክእለት ሙዚቅኡ ኣማዕቢሉ። ናብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት መነሶታ ብምምጻእ ከኣ ክሳብ ናብ ትምህርቲ ብምእታው ክእለት ሙዚቃ ከበርኽ በቒዑ።