ዓወት ዑቕባይ፡ ሙዚቀኛን ኣወሃሃዲ መሳርሕታት ሙዚቃን ካብ ሚንያፖሊስ መነሶታ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

awet okbay

ኣብ ባድመ ኤርትራ ተወሊዱ። ብንእስነቱ ናብ ሱዳን ከይዱ። ኣብኡ ብባንድታት ሙዚቃ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተጸልዩ። ኣብ ቀያሕቲ ዕንባባ ህዝባዊ ግንባር`ውን ተጠርኒፉ። ድሕሪ ናጽነት ናብ ኤርትራ ተመሊሱ። ናብ ስዊዲን ብምኻድ ክእለት ሙዚቅኡ ኣማዕቢሉ። ናብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት መነሶታ ብምምጻእ ከኣ ክሳብ ናብ ትምህርቲ ብምእታው ክእለት ሙዚቃ ከበርኽ በቒዑ። ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ኣብ ምሉእ ዓለም ብምዝውዋርን ኣብ ከባቢኡ ምስ ዝተፈላለያ ባንድታት ኣመሪካ ብምስራሕን ምሉእ ስርሑ ኣብ `ቲ ሞያ ጸቒጡ ኣብ ምስራሕ ይርከብ።

Your browser doesn’t support HTML5

ዓወት ዑቕባይ፡ ሙዚቀኛን ኣወሃሃዲ መሳርሕታት ሙዚቃን ካብ ሚንያፖሊስ መነሶታ

ዓወት ዑቕባይ ኣብ ስቱዲዮ ድምጺ ኣመሪካ ብኣካል ተረኺቡ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ዓወት ዑቕባይ፡ ሙዚቀኛን ኣወሃሃዲ መሳርሕታት ሙዚቃን ካብ ሚንያፖሊስ መነሶታ