ዓበይቲ ፍጻመታት 1619- ’20ን ዘይልሙዳት ጸለምቲ(ነግሮ)’
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ 1619 ክልተ ኣውሮጳዊያን መራኽብ ምስ ፍሉይ ጽዕነት ኣብ ግዝኣት ብሪጣንያ ዝነበረት ክፍለ ግዝኣት ቨርጅንያ ኣሜሪካ በጺሓን። እቲ ጽዕነት ብውሑዱ 20 ዝኾኑ ጊልያታት ኣፍሪቃዊያን ኔሮም- መጀመርያ ናብ ኣሜሪካ ዝኣተው ኣፍሪቃዊያን። እዞም ተታሒዞም ብጊልያነት ናብ ኣሜሪካ ዝመጹ ኣፍሪቃዊያን ካብዚ ሎሚ ሃገረ ኣንጎላ ዝመጹ ኔሮም። ሎሚ ዓመት እዞም ቀዳሞት ብጊልያነት ናብ ኣሜሪካ ዝመጹ ኣፍሪቃዊያን መበል 400 ዓመት’ዩ።