ዓቓብ ሕጊ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ክልል ሶማል ነበር ዝርኸብዎም 46 ሰባት ዓሌታዊ ግጭት ብምልዕዓል ከሲሱ

ዓቓብ ሕጊ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ክልል ሶማል ነበር ዝርከብዎም 46 ውልቀሰባት ዓሌታዊ ግጭት ብምልዕዓል ከሲሱ።

ዓቓብ ሕጊ ነቲ ክሲ ዘቕረበ ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ምርመራ ምዃኑ ገሊጹ ከም ውጽኢቱ ድማ ዓብዲ መሓመድ ዑመርን እቶም ካልኦት 46 ተኸሰስቲ ጉጅለታት ብምፍጣር ኣብ ልዕሊ ተወለዲ ክልል ሶማል ዘይኾኑ ነበርቲ’ቲ ክልል ናይ ሞትን ናይ ንብረት ዕንወትን ገበን ፈጺሞም’ዮም ይብል።

እቲ ክሲ ብተወሳኺ ዓብዲን እቶም ሰበ ስልጣንን ተወላዶ ክልል ሶማል ኣብ ልዕሊ ዘይተወላዶ ሶማል ዝኾኑ ነበርቲ’ቲ ክልል ዝተፈጸሙ መጥቓዕቲ ብቀጥታ ኾነ ብተዘዋዋሪ ተሳትፎ ኔርዎም’ዩ ይብል።

ዓብዲ ምስ ካልኦት ሓሙሽተ ናይ ጸጥታ ሓላፍቲ ነበር ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ክኾኑ ከለው ነፍሲ ወከፎም “ሕጊ መንግስታዊ ስርዓት ምጥሓስ” ዝብል ክሲ’ውን ቐሪብሎም ኣሎ።

ኹሎም እቶም ክሲ ዝቐረበሎም ውልቀሰባት ዝመጽእ ሰሙን የካቲት 6 ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ምላሾም ክህቡ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ምምሕዳር ዓብዲ መሓመድ ዑመር ተቓወምቲ’ቲ ክልል ንምድምሳስ ብዝብል ብዝሒ ዘለዎም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሙ’ዩ ክብሉ ክኸሱ ምጽንሖም ይዝከር።

ፕረዚደንት ክልል ሶማል ነበር ዓብዲ መሓመድ ዑመር ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ይዝከር።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ምምሕዳር ዓብዲ መሓመድ ዑመር ተቓወምቲ’ቲ ክልል ንምድምሳስ ብዝብል ብዝሒ ዘለዎም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሙ’ዩ ይብሉ።