ኣዲስ ኣበባ —
ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ማኔጂንግ ዳይረክተር መፅሄት ፍትህ ተመስገን ደሳለኝ ሰለስተ ክስታት መስሪቱ።
ዓቃቢ ሕጊ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝወዓለ መጋባእያ ንዝተፈላለዩ ዓንቀፃት ሕጊ ገበን ብምጥቓስ ሰለስተ ተደራረብቲ ክስታት ኣቕሪቡ ኣሎ።እቶም ክስታት ወታሃደራዊ ምስጢራት ሰራዊት ምክልኻል ብምውፃእ፣ናይ ሓሶት መረዳእታታት ብምዝርጋሕን ገበን ክፍፀም ብምልዕዓልን ብምክፍፋልን ዝብሉ እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ህውከትን ዕግርግን ብምልዕዓል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሮም ካብ ዝነበሩ ሰብ ሞያ መሓውራት ዜና ዝተኸሰሰ ብሕታዊ ሰብ ተመስገን ክኸውን ከሎ ዝተረፉ ተፈቲሖም እዮም።ካብቶም ዝተፈትሑ ኣሰናዳኢ ኢትዮ ፎረም ዝኾነ ያየሰው ሽመልስ ትማሊ ዳግም ምእሳሩ ተሓቢሩ'ሎ።