ዓረና ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ወፍሪ ጽሬት ዝተዋፈሩ አባላተይ መጥቓዕቲ ተፈጺምዎም ክብል ከሲሱ

ኣቦ መንበር ውድብ ዓረና ኣይተ ኣብርሃ ደስታ

ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለከተማ ኲሓ ኣብ ዝነበረ ወፍሪ ፅርየት ኣካላት ፀጥታ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላተይን ካልኦት መናእሰይን ኣካላዊ መጥቃዕትን ፈጺሞም ብተወሳኺ ገለ ካብቶም መንእሰያትተኣሲሮም ክብል ዓረና ትግራይ ኸሲሱ።

ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኣይተ ኣብርሃ ደስታ ከምዝገለፅዎ ነቶም ወገናት ዘለውዎ ኩነታት ንምርኣይ ኣበይ ከምዘለዉ ክንፈልጥ ኣይከኣልናን እውን ኢሎም።

Your browser doesn’t support HTML5

ዓረና ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ወፍሪ ጽሬት ዝተዋፈሩ አባላተይ መጥቓዕቲ ተፈጺምዎም ክብል ከሲሱ

ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ክፍለ ከተማ ምክትል ኢንስፔክተር ገብረክርስቶስ ገብረመስቀል እቶም ዝተኣሰሩ ሰባት ሰላም ከባቢ ክዘርጉ ዝተንቀሳቐሱን ኣባላት ፖሊሰ ዝወቑዑ ሰባት ኢና ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ኣእቲና ኢሎም።

እቶም ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ዝውዓሉ ሰባት ድማ ኣብቲ ክፍለ ከተማ ከምዘለዉ እዮም ገሊፆም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ዓረና ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ወፍሪ ጽሬት ዝተዋፈሩ አባላተይ መጥቓዕቲ ተፈጺምዎም ክብል ከሲሱ