ዋሽንግተን —
ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ብግጭት ዝተጠቕዑ ሓረስቶት ኣፍራይነት ሕርሻ ንምዕባይ NPSን Ureaን ዝተባህሉ ዓይነታት ዘመናዊ ድኹዒ ን20,000 መራሕቲ ስድራ ከምዘከፋፈለ ኣፍሊጡ።
#Ethiopia: to enhance the productivity of conflict affected farmers in #Tigray, we have distributed NPS and Urea fertilizer to 20,000 households (120,000 individuals) in Central, Eastern, South Eastern and Southern zones, which follows the distribution of seeds last June pic.twitter.com/2GdDJkeAlX
— ICRC Ethiopia (@ICRCEthiopia) August 8, 2022
ብመሰረት እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ብቲዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ እዚ ዘመናዊ ድኽዒ ኣብ ሰነ ዝተኸፋፈለ ዘራእቲ ስዒቡ ኣብ ማእኸላይ፣ምብራቓዊን ደቡባዊን ዞባታት'ቲ ክልል ምክፍፋሉ ገሊጹ ሎ።