ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ሓገዝ ንምሃብ ናብ ከተማ ማርዮፖል የምርሑ ምህላዎም ገሊጹ

  • ገብረ ገብረመድህን

ወሃቢ ቃል ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኢዋን ዋትሰ ሩስያ ኣብ ከበባ እትርከብ ዩክሬናዊት ከተማ ማርዮፖል ንሰብኣዊ ረዲኤት ኣፍደገ ትኸፍት ትኸውን ብዝብል ተስፋ ናብኡ መገዲ ጀሚርና ኣለና ኢሎም።

ሓገዝ ዝፀዓና ዓበይቲ መኻይን: ኣብቲ ዕፅዋ ንዝርከብ ህዝቢ ንምውፃእ ዝተዳለዋ ኣውቶቡሳት ብሓይልታት ሩስያ ትማሊ ሓሙስ ከይንቀሳቐሳ ተከልኪለን'የን።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሰበስልጣን ሩስያ ክልተ ሄሊኮፕተራት ዩክሬን ሎሚ ንጉሆ ኣብ ሩስያ ከተማ ቤልጎርድ ንዝርከብ መዋህለሊ ነዳዲ ከምዘቃጸላ ይገልጹ።ሩስያ ዩክሬን መጥቃዕቲ ፈጺማ ክትብል እዚ ፈላማይ'ዩ።

ብኻልእ ዝተሓሓዘ ዜና ድማ ሩስያ ኣብ ልዕሊኣ ንዝተነብሩ እገዳታት ምዕራባውያን ምላሽ ዝህብ እገዳ ከምእተንብር ገሊፃ።

ኮምሽነራት ሕብረት ኣውሮጳ፣መራሕቲ ወትሃደራዊ ስርሒታት፣ኣባላት ቤት ምኽሪ: ሰበ ስልጣናት መንግስትን ሰራሕተኛታት መሓውራት ዜናን እገዳ ካብ መንጎ ዝግበረሎም ምዃኖም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩስያ ትማሊ ሓሙስ ገሊፁ።