ዓለምለኸ መዓልቲ ስደተኛታት- ትርጉም ስደተኛታት: ፍልሰተኛታት: ተመዛበልቲን ሓተቲ ዑቕባን

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሰነ 20  ንኩነታት ስደተኛታት ኣፍልጦ ንምሃብ ዝተወፈየት  መዓልቲ’ያ::  ዓለምለኸ መዓልቲ ስደተኛታት ፈለማ ዝተዘከረትላ መዓልቲ ኣብ 2001  ክኸውን ከሎ: ነቲ መበል  50 ዓመት ዝኽሪ ኣብ 1951 ዝሓለፈ ውሳነ ዋዕላ  ጉዳይ ስደተኛታት  ሕቡራት ሃገራት መበገሲ   ዝገበረ ኮይኑ ስደተኛ ዝበሃሉ ኸመይ ዝበሉ ምዃኖም:  መሰል ዑቕባ ዝተዋህቦም ውልቀሰባትን ሓላፍነት ዑቕባ ዝህባ ሃገራትን ዝገልጽ’ዩ::