ዓለም ካብ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተአወጀ ተኹሲ ደው ምባል ንጹርነት ይጽበይ

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ክልል ትግራይ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዘካየዶ ወተሃድራዊ ወፍሪ ሃንደበት ጠጠው ድሕሪ ምባሉ፡ ምስ`ታ ክልል ርክባት ምግባር ኣጸጋሚ ኮይኑ`ሎ። በቲ ሓደ ወገን እቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ነቶም ጥምየት ኣንጸላልዩዎም ዘሎ ኣማኢት ኣሸሓት ሰባት ረድኤት ብዘይ ዕንቅፋት ክበጽሖም ዝብል ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ተስፋ ጌረን ኔረን`የን።

ወሃቢ ቓል ሕቡራት ሃገራት ስተፈን ዱጃሪክ፡ ሳዕቤን ህጹጽ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ንጹር ኣይኮነን ይብል::

ንሱ ኣስዒቡ እቲ ምዕዳል ረድኤት ሽሕ`ኳ ብሰንኪ ኩናት ክተዓናቐፍ እንተጸንሐ ንጸጥታ ኣብ ግምት ብምእታው ክንቅጽሎ መደብ ኔሩ`ዩ ይብል።

ምስ ናይ ጸጥታ ብጾትናን ክኢላታት ሎጂስቲክስ ብምምኽኻር ናብ ትግራይ ቀረባት ዝኣትወሉ መሕለፊታት ንድሊ ኣለና ዝበለ ዱጃሪክ፡ ሕጂ ግን ብመሬትን ኣብ ርእሰ-ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ዘሎ መዓርፎ ነፈርትን ተዓጽዩ`ዩ ዘሎ ኢሉ።

ኣህጉራዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል`ውን ካብ መቐለ ወጻኢ ዘሎ ምቅስቓሳቱ ንግዚኡ ደሪቱ፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ።

ምስ`ቶም ኣብ ባይታ ዘለዉ ኣባላት ኣይሲኣርሲ ርክብ ከምዘለዋ ትገልጽ ዞባዊ ወሃቢት ቃል ኣልዮና ሲነንኮ ካብ ናይሮቢ ኣብቲ ኽልል ዘሎ ኩነታት ተኣፋፊ`ዩ- መቐለ ግን ርግኣት ዘለዋ ትመስል ትብል ። ኣስዒባ"ኣብ መቐለ ድኳናት ተኽፊቶም ይርኣዩ እንተኾነ ናይ ኮሚኒኬሽን መርበባት ኮነ ኢንተርነት ዕጹው`ዩ" ዘሎ ትብል ።

ኣስታት 350 ሺሕ ተጋሩ ናብ ጥምየት ገጾም ይጽግዑ ከምዘለዉ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። በዓልቲ ስልጣን ዩኤስኣይዲ ሳራ ቻርለስ ድማ ንኮንግረስ ቃለ-ምስክርነት ክትህብ ከላ ነቲ ቁጽሪ ናብ ሓደ ሚልየን ተጸግዖ።

ካብ መንጎ ኣብ ትግራይ ዝነብሩ ሽዱሽተ ሚልየን፡ ካብ 3.5 ክሳብ 4.5 ሚልየን ዝኾኑ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮም`ዩ ዝበለት ሳራ ቻርለስ ካብ መንግኦም ካብ 700 ሺሕ ክሳብ 900 ሺሕ ዝኾኑ ድሮ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣለዉ- ምዕዳል ረድኤት እንተዘየሐይልና፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት`ዚ ሰፊሕ ጥምየት ክንርኢ ንኽእል ኢና ኢላ።