ዒድ-ኣልፈጥር ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተኸቢሩ ውዒሉ

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

ዒድ ኣልፈጥር ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን

ምዝዛም ወርሒ ጾም ሮሞዳን ዘበስር ዒድ-ኣልፈጥር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኽብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ከምዝተኸብረ ወኪላት ድምጺ ኣመሪካ ከካብቦትኦም ኣፍሊጦም። ኣብ ኣስመራ፡ መምርሒታት ኮቪድ19 ኣብ ዝዘለቐሉ፡ ኣብ ኣደባባይ ባሕቲ መስከረም ክኽበር እንከሎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ መቐለ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ጎደናታት እንተዘይተኸበረ፡ ሎሚ ግን ኣብ ኣደባባይ ከም ዝተኽብረ ወኪላት ድምጺ ኣመሪካ ኣመልኪቶም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡መበል 1443 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ብሰላም ተኸቢሩ።ኣብ ጎንደር ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ እስልምና ተፈፂሙ ንዝተባህለ መጥቓዕቲ ብምቅዋም ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ድሬዳዋ ተፈጢሩ ዝነበረ ግጭት ንማሕበረሰብ ኣመንቲ እስልምና ኣይውክልን ተባሂሉ።ናይታ ከተማ ወለንተኛታት ካብ ስግደት ንዝተመለሱ ምእመናን ማይን መግቢን ዘዳልው ክኾኑ ከለው ለይቲ ዝሰርሑ ኣባላት ማሕበር ዘወርቲ ታክሲ እውን ነፃ ኣገልግሎት መጎዓዚያ ምሃቦም ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ከተማ ድሬዳዋ ሓቢሩ።