ዒራቕ፡ ኣብ መንጎ ተቓወምቲን ሓይልታት ጸጥታን ብዝተላዕለ ግጭት ክልተ ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ

Your browser doesn’t support HTML5

ዒራቕ፡ ኣብ መንጎ ተቓወምቲን ሓይልታት ጸጥታን ብዝተላዕለ ግጭት ክልተ ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ

ኣብ ዒራቕ ኣብ መንጎ ኣንጻር መንግስቲ ተቓውሞ ዘካይዱ ዘለው ዜጋታትን ሓይልታት ጸጥታን ብዝተላዕለ ግጭት ክልተ ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ።

ሰበ ስልጣን መንግስቲ ሰልፈኛታት ዝሞቱ ሓይልታት ጸጥታ ንሰልፈኛታት ንምብታን ኣብ ሲናክ ድልድይ ዘንብዕ ጋዝ ኣብ ዝተኮሰሉ እዋን’ዩ ክብሉ መብርሂ ሂቦም ኣለው።

ተቓወምቲ ንሲናክን ክልተ ካልኦት ኣህራርን ጁሙሪሃያ ዝተባህሉ ክልተ ድልድያት ብምቁጽጻር ነቲ መንግስቲ ዝርከበሉ ዞባ ከምዝተቆጻጸሩ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

እቲ ተቓውሞ ዝተላዕለ ብሰንኪ ብልሽውናን ዘይምዕሩይ አታዊን ኣብታ ሃገር ዝረአ ስቕለት ኣልቦነትን ሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ብምቕዋም’ዩ። ሰልፈኛታት ኣብዚ ጊዜ’ዚ ምሉእ ንምሉእ ለውጢ ኣብ መንግስቲ ይጠልቡ ኣለው።

ኣብ ዒራቕ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ንዝጀምረ ተቓውሞ ንምብታን ሓይልታት ጸጥታ ጠያይቲ፡ ዘንብዕ ጋዝን ከምዝተኾሱ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 320 ሰባት ምሟቶም ካልኦት ብኣስሓት ዝቑጸሩ ድማ ምቑሳሎም ተፈሊጡ’ሎ።

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምተዮ ብሶኑይ ኣሜሪካ ብጉዳይ ብልሽውና ኮነ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝተፈጸሙ ጎነጽ ተሓተቲ ዝኾኑ ሰበስልጣን ዒራቕ እገዳ ከምተንብር ምጥንቓቖም ይዝከር።