ዒራቓዊያን ዝጀመረዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሎሚ'ውን ቀጺሉ ወዒሉ’ሎ

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

ዒራቓዊያን ኣብታ ሃገር ይረአ ዘሎ ንዝበልዎ ዝለዓለ ሸቕሊ ኣልቦነት፣ስእነት ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ብልሽውናን ብምቕዋም ዝጀመርዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሎሚ'ውን ቀጺሉ ውዒሉ'ሎ።

ገለ ተዓዘብቲ ነቶም ኣብታ ብነዳዲ ሃብታምን 40 ሚሊዮን ህዝቢ ዝሓቖፈትን ሃገረ ዒራቕ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ዝተኻየዱን ብውሑዱ 250 ሰባት ዝተቐትልሎምን ሰልፍታት ሓቃውን ኣዚዩ ኣድላይን ዝኾነ ቁጠባዊ ለውጢ ክመፅእ ዕድል ክህብ ይኽእል እዩ ኢሎም ይኣምኑ ።

ሃገሮም ወናኒት ግዙፍ ሃብቲ ነዳዲ እንተኾነት እውን ብዙሓት ዒራቓዊያን ኣብ ውሽጢ ድኽነት ይነብሩ።7 ሚሊዮን ዒራቓዊያን ኣብ ትሕቲ ፀፍሒ ድኽነት ከምዝነብሩ ይንገር፤ባንኪ ዓለም ድማ ሸቕሊ ኣልቦነት መናእሰይ 25 ሚእታዊት ከምዝበፅሐ ይገልፅ።