ዑደት ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐይ ኣብ አዲስ አበባ

Your browser doesn’t support HTML5

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐይ ከም አካል’ቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ዘለው ዑደት ትማሊ ምሸት አዲስ አበባ ኣትዮም ኣለው። ንሶም ኣብ ቦሌ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝ ኣተወሉ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ገዱ አንዳርጋቸው ተቐቢሎም። ሎሚ ድማ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ተራኺቦም ምዝርራቦም ተፈሊጡ’ሎ።