'ውጽኢት ክልተ ኣኼባታት ቻይና ናብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ክሕግዝ ተስፋ ኣሎ' ቀ/ሚ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝ

ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማሪያም ደሳለኝ

ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ውፅኢት መፃኢ ክልተ ኣኼባታት ቻይና ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ ሃገራት ዝድግፍን ንምድንፋዕ ዓለምለኻዊ ንግዲን ምቁፅፃር ኩነታት ለውጢ ኣየርን ሓዊሱ ፍታሕ ኣብ ምርካብ ክሕግዝ ተስፋ ኣለዎ ኢሎም።

እዞም ክልተ ኣኼባታት ኣብ ፖለቲካዊ ፍፃመ ቻይና ከም ቁልፊ ዝርኣዩ ዝለዓለ ናይ ቻይና ሓጋጊ ኣካል ዝኾነ ዓመታዊ ሃገራዊ ህዝባዊ ኮንግረስን ናይታ ሃገር ዝለዓለ ኣማኻሪ ፖለቲካ ዝኾነ ናይ ቻይና ዋዕላ ፖለቲካዊ ኣማኻሪን እዮም። እቲ ኣኼባታት ፅባሕ ቀዳም እዩ ክጅምር'ዩ።

እዞም ክልተ ኣኼባታት ናይ ቻይና ናይ ዝሓለፈ ዓመት ስራሕቲ መንግስቲ ዝግምግምን ናይ ዝቕፅል ዓመት ናይታ ሃገር ቀዳምነት ዝወሃቦም ዛዕባታትን ዘጠቓልልን እዩ። ኣንፈት መፃኢ ቻይና ኣብ ዓለም እውን ዝሕብር'ዩ።

ኣቶ ሃይለማሪያም ዓለም ገጢሙዋ ዘሎ ሓባራዊ ብድሆታት ብምሕባር ኣብዞም ክልተ ኣኼባታት ዝመሓለለፉ ውሳነታት ኣወንታዊ ፅልዋ ክህልዎ እዩ ኢሎም።

ንሶም "ቕልጡፍን ስሉጥን ዕብየትን ምዕባለን ንምርግጋፅ ኣብ እንገብሮ ፃዕርታት ሓጋዚ ዝኸውን ዝበለፀ ውሳነታት ክመፅእ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ’’ ኢሎም። ‘’ለውጢ ኩነታት ኣየር ምዝባዕ ንግድን ኮሚኒኬሽንን ከምኡ እውን ኣዕሪዩ ዝሃሰየና ለበዳ ሓዊሱ ብዙሓት ብድሆታት ገጢሞምና እዮም። ኣብዞም ኣኼባታት ዝውሰኑ ውሳነታት ልምዓት ከም ሃገረይ ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሃገራት ዝሕግዝ ክኸውን ተስፋ ኣለኒ’’ ኢሎም።

ኢትዮጵያን ቻይናን ድልዱል ስትራተጂያዊ ምሕዝነታዊ ምትሕብባር ኣለወን። ቻይና ኣብ ፕሮጀክታት ህንፀታት መንገዲ፣ፀዓት፣ኢንዱስትሪያዊ ፓርክታትንን ልምዓት ቀረባትን ንኢትዮጵያ ትሕግዛ ኣላ።