ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ሓደ ሰሙን 3 ሚልየን ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ መዝጊቡ

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ውድብ ጥዕና ዓለም- ሪኮርድ መትሓዝቲ ኮቪድ መዝጊቡ- ኣብ ዙርያ ዓለም ኣብ ሓደ ሰሙን ሰለስተ ሚልየን በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ሓደሽቲ ዝሞቱ ድማ 40 ሺሕ መዝጊቡ።

ኣብዚ ዳሕራዋይ ቁጽሪ ዝበዝሐ ቁጽሪ ትሕዝ ኤውሮጳ`ያ- ብ33% ወሰኽ ጌራ`ላ።

ኣመሪካ ትርከቦ ምዕራባዊ ፓስፊክ፥ ምጉዳል ለበዳን ሞትን ኣርእዩ`ሎ።

ብኻልእ ወገን እቲ ቫይረስ ንዕለታዊ ምንቅስቓሳት ዋና ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት የተዓናቕፎ`ሎ።

ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት ኢምባሲ ኒጀር መርመርኦም ፖሲቲቨ ስለዘርኣየ ትማሊ ኩሉ ኣብ ኒው ዮርክ ዝተሓስበ ኣኼባታት ተሰሪዙ`ሎ- ።