ውዱብ ጥዕና ዓለም ቫይረስኮሮና ዓለምለኸ ለበዳ ምዃኑ ካብ ዝእውጅ ክልተ ዓመታት ኣቑጺሩ

  • ገብረ ገብረመድህን
    ዜና ቪኦኤ

ሎሚ መጋቢት 11,2022 ውዱብ ጥዕና ዓለም ቫይረስኮሮና ዓለምለኸ ለበዳ'ዩ ኢሉ ካብ ዘፍልጥ ካልኣይ ዓመቱ'ዩ።

ብመሰረተ ጆንስ ሃፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ድሕሪ ክልተ ዓመት በቲ ቫይረስ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚሊዮን ሰባት ሞይቶም፣ልዕሊ 453 ሚሊዮን ድማ ብቫይረስኮሮና ምልኻፎም ተመዝጊቡ'ሎ።

ሰበስልጣን ጥዕና እቲ መልከፍትን ሞትን ኣብ ገለ ሃገራት ዘይተቖፀረ ክኸውን ስለዝኽእል እቲ ቫይረስ ዘስዓቦ ሓቀኛ ዕንወት ኣብቲ ቁፅሪ ዘይተሓወሰ ክኸውን ይክእል እዩ ክብሉ የጠንቅቑ።

"እቲ ለበዳ ገና እዩ’’ ዝበሉ ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ "ብደረጃ ዓለም ቁጽሪ ተታሒዞምን ሞይቶምን ተባሂሎም ዝምዝገቡ ዘለው ይጎድል እንተሃለወ'ውን ብዙሓት ሃገራት ድማ እገዳታት እንተልዓላ እውን እቲ ለበዳ ኣብ ኩሉ ከባቢ ክሳብ ዘብቅዕ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣየብቅዕን’’ኢሎም።

ጆንስ ሃፕኪንስ ኣብ ዓለም 10.7 ቢሊዮን ክታበት ተዋሂቡ እንተበለ እውን ዘይምምጥጣን ክታበት ሕጂ እውን ፀገም ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ።