ውሑዳን ዓሌት ሂንዱ ካብቲ ህንዲ ትቆጻጸሮ ካሽሚር ብብዝሒ ይስደዱ ምህላዎም ተገሊጹ

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ህንዲ ትቆጻጸሮ ካሽሚር

ካብቲ ህንዲ ትቆጻጸሮ ክፋል ካሽሚር ብዙሓት ዓሌት ውሑዳን ሂንዱ ፡ መቕተልቲ ስለዝበዝሖም ቦትኦም ገዲፎም ይሃድሙ`ለዉ።

ኣብዚ ወርሒ`ዚ ጥራሕ ብዙሓት ሂንዱ ካሽሚር ብእስላማዊ ኣኽረርቲ ምስተቐተሉ ፡ ተወሳኺ ቅትለት ብምስጋእ፡ ኣባይቶም ሓዲጎም ከም ዝሃደሙ ገለ ኣባላት ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቦም ኣለዉ።

ፓንዲትስ ተባሂሎም ዝጽውዑ፡ ውሑዳን ኣባላት ዓሌት ሂንዱ`ዮም፡ ኣብቲ ህንዲ ትቆጻጸሮ ሸነኽ ካሽሚር ኣብ ዝተሓጽረ ቐጽሪታት ዝነብሩ። ሕጂ ግን መጥቃዕቲ እስላማዊ ኣኽረርቲ በዚሑና ኢሎም፡ ገዝኦምን ቀጽሮምን ሓዲጎም ክሃድሙ ጀሚሮም ኣለዉ። እቲ ቐጽሪ ብፖሊስን ወተሃደራትን ህንዲ`ዩ ዝሕሎ።

ብመሰረት ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣብዚ ወርሒ`ዚ ጥራሕ 11 ሰለማውያን ሰባት ብጥይት ተቐቲሎም፡ ክልተ ፓንዲት፣ ኣርባዕተ ሂንዱ ዘይኮኑ ማይግራንት ሰራሕተኛታት ሓደ ካብ ውሑዳን ሲቅ፣ ሓደ ሙስሊም ማይግራንት፣ ክልተ ድማ ሙስሊም ነበርቲ`ዮም ።

Resistance Front(TRF) ዝተባህለ ኣብ ፓኪስታን ዝመደበሩ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ`ዩ ነቲ ቅትለት ከም ዝፍጽሞ ዝግለጽ፡ ንመብዛሕቲኡ`ውን ይኣምነሉ`ዩ። ንሱ ፡ምስ ሰበ ስልጣን ህንዲ ንዝሰርሑ`የ ዒላማ ዝገብር ምባሉ`ውን፡ ኣሶሴይትድ ፕረስ ጸብጺቡ`ሎ። ሕጂ እቲ ዓሌት ፓንዲትስ ዝርከብሉ ሕጹር ቀጽሪ ዳርጋ ባዶ ከምዝተረፈ`ዩ ሓደ ካብቶም ነበርቲ ዝገልጽ። ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ናብቲ ቀጽሪ ክኣቱ ደልዩ፡ ዋርድያ፡ ንጸጥታ ኣመኽንዮም ከምዝኸልእዎ ይገልጽ።

ናይ ካሽሚር ፍሉጥ እስላማዊ ምሁር ላዕላዋይ ሙፍቲ ናሲር ኡል እስላም ንድምጺ ኣመሪካ ክገልጽ ከሎ፡ብሂንዱ ዝምራሕ መንግስቲ ህንዲ`ዩ ኣብ 90`ታት ነቶም ፓንዲትስ ካብ ካሽሚር ከም ዝግዕዙ ጌርዎም ይብል።

እዚ ምሁር ሙስሊም"ሙስሊም ማሕበረሰብ ንኣማኢት ፓንዲት ኣብ ሽንጥሮ ካሽሚር ኣዕቁቡ`ዩ፡ ብገንዘብ ኮነ ንዝሞትዎም ብባህሎም ክቐብሩ ሓጊዝና ኢና። እቶም ፓንዲት ናብ ካሽሚር ክምለሱን ምሳና ክነብሩን ን30 ዓመታት ክንሓቶም ጸኒሕና ኢና" ይብል ።

ማዳን ላል ዝተባህለ፡ ገና፡ ኣብቲ ቀጽሪ ዝነብር ዘሎ ሂንዱ ብወገኑ፡ ቀዳማይ ሚንስተር ህንዲ ዝነበረማንሞሃን ሲንግ ኣብ 2008 ኣብ ዘውጽኦ ፖሊሲ፡ ዝተመዛበሉ ውሑዳን ሂንዱ ናብ ካሽሚር ተመሊሶም ምስ ናይ ካሽሚር እስላም ብጾቶም ብሰላም ክነብሩ ኣተባቢዑ`ዩ ይብል። ናይ ስራሕ ዕድል ብምሃብ ልዕሊ 300 ፓንዲት ከምዝተመለሱ`ውን ይገልጽ። ንሱ ንባዕሉ ምስ ጓሉ ንክቕመጥ ቅድሚ ዝተወሰነ ዓመታት ናብ ካሽሚር ከም ዝተመለሰ`ውን ይገልጽ። ሕጂ ግን ድሕሪ`ዚ ዳሕራዋይ መጥቃዕትታት እቶም ፓንዲት ክፈርሑ ጀሚሮም ኣለዉ ይብል።

እስላማዊ ምሁር ናስር እስላም ብወገኑ ንኽብሪ`ቶም ዝተቐተሉ ናብ ገዛውቶም ከምዝበጽሐን ነቲ ማሕበረሰብ ድጋፉ ከምዘርኣየን ነጊሩ`ሎ። "ብናተይ እምነት፡ ኣብዚ ቐረባ ኣብ ልዕሊ ውሑዳን ዝተፈጸመ ቅትለት ብናጻ ኣካል ክጻረ ኣለዎ፡ እቲ ሓቂ ክወጽእ" ኢሉ። ኣተሓሒዙ፡ ገለ ፓንዲትስ ንምስሊ ሙስሊም ምድዋን ክገድፍዎ ኣለዎም ክብል ነቒፉ። ሙፍቲ ካሽሚር ናስር ኢስላም ከምቲ ኣነ ካብ መጀመርያ 90`ታት ጀሚሮምንዝተቐተሉ ኣማኢት ፓንዲትስ ዝኾነንክዎ፡ እቶም ፓንዲትስ ድማ ንቕትለት`ቶም 150 ሺሕ ዝኾኑ ሙስሊም ካሽሚር ክኹንኑ ኣለዎም ኢሉ ።

ግጭት ካሽሚር ካብ 1989 ንድሓር ኣስታት 47 ሺሕ ህዝቢ ከምዘህለቐ ጸብጻባት ይገልጹ። ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ግን እቲ ቁጽሪ ዕጽፊ ከምዝኾነ ይኣምኑ።

ገለ ትሕዝቶ'ዚ ጸብጻብ ካብ ኣሶሴይትድ ፕረስ ዝተወሰደ'ዩ::