ዋሽንግተን —
ሚንስትራትን ጉዳያት ወፃኢ እስራኤል፣ኣመሪካ፣ዓረብ ኢመራትስ፣ ባሕሬን፣ሞሮኮን ግብፅን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘሎ ምትሕብባርን ርክባትን ንምስፋሕ ዝግበር ፃዕርታት ንምሕያል ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዝተኻየደ ኣኼብኦም ዛዚሞም።ኣብ መንጎ እስራኤልን ሃገራት ዓረብን ዘሎ ርክብ ብቕልጡፍ ይመሓየሽ ምህላው እውን ሓቢሮም ኣለው።
ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለፂ "ቅድሚ ሒደት ዓመታት እዚ ኣኼባ እዚ ክትሓስቦ እውን ዝክኣል ኣይነበረን’’ ኢሎም ።
እቲ ዋዕላ እስራኤል ኣብ 2020 ምስ ሕቡራት ዓረብ ኢመራትስ፣ባሕሬንን ሞሮኮን ናብ ንቡር ዝምድና ድሕሪ ምምላሳ ዝካየድ ዘሎ እዩ።
ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ያይር ላፒድ እቲ ዝርርብ ቀፃሊ መድረኽ ክኸውን ድሕሪ ምባል ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ "ታሪኽ ይሰርሑ ኣለው’’ ኢሎምዎም ኣለው።
ሚንስትራትን ጉዳያት ወፃኢ ባሕሬንን ዓረብ ኢመራትስን እውን ሓዱሽ ጽኑዕ ምሕዝነት ዝፈጥር እዩ ክብሉ ነቲ ዋዕላ ገሊፆምዎ ኣለው።