ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ብዓይኒ ተንታኒ ፖለቲካ ጁዴ ሙር

Your browser doesn’t support HTML5

ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ኣሜሪካን ብዓይኒ ተንታኒ ፖለቲካ ጁዴ ሙር

ተንታኒ ፖለቲካ ጁዴ ሙር ኣብ ስልጣን ዘሎ ምምሕዳር ባይደን ነቲ ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ዝሒሉ ዝነበረ ርክብ ምስ ኣፍሪቃ ከረሳስን ምጅማሩ ንረብሓ ኣመሪካ ኢሉ እዩ ይብል።

"ዋዕላታት ምድላው ሓድሽ ነገር ኣይኮነን ካብ በልካኒ፣ እዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝቀነየ ሓባራዊ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ኣብ ዓለም ዘለዋ ኣገዳስነት ዘጉለሀ ዋዕላ እዩ። ንድሕሪት ምልስ ኢልና፣ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ቅድሚ ኣዋርሕ፣ ንሓድሽ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ኣመሪካን ኣፍሪቃን ወግዓዊ ዝገበርሉ ጊዜ ንዝክር ንኸውን። ካብ’ቲ ጊዜ’ቲ ጀሚሩ፣ ኣመሪካ ምስ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ማዕርነት ዝተመርኮሰ ጽምዶ ክህልዋ ድልየታ ከምዝኾነ እናርአየት መጺኣ እያ" ይብል ተንታኒ ጁዴ ሙር።

ኣብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ‘ጋዜጠኛታትን ተቃወምቲን ይእሰሩ፣ ጥሕሰት መሰል ይፍጸም፣ መረጻታት ይስረቁ እዮም። ፈጸምቲ’ቶም ዝተጠቀሱ ናብ’ዚ ተዓዲሞም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ ክንፈልጦ ዘለና ግና፣ ኣመሪካ ምስ’ዞም መንግስታት’ዚኦም ርክባ እንተቋሪጻቶ፣ ንዓዓቶም ንምጽላው ዘለዋ ዕድል ትዓጽዎ ኣላ ማለት እዩ’ ይብል።

"ካልእ ክንዝክሮ ዘለና ድማ፣ ኣብ’ዚ ጊዜ’ዚ፣ ንዓለምለኸ ፖለቲካ ዝጸልዋ ሓይልታት፣ ኣመሪካን ኣውሮጳን ዘይምዃነን እዩ። ቱርኪ፣ ሩስያ፣ ሃገራት ወሽመጥን ቻይናን’ውን ኣለዋ" ይብል።