ዋዕላ ሃገራት ኔቶ ተዛዚሙ

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

ሰበስልጣን ኔቶ መበል 70 ዓመት ምስረታ እቲ ውድብ ምኽንያት ብምግባር ኣብዚ ሰሙን ኣብ ለንደን ዝተኻየደ ኣኼባ መራሕቲ ንወራር ሩሲያ ብሓባር ንምክልኻል ፅቡቕ ውፅኢት ተመዝጊቡ ኣሎ ክብሉ ይገልፁ ኣለው።ልዕሊ ኹሉ እቲ ኣኼባ ዝከረሉ ግን ናይ ቀዳማይ ሚንስትር ካናዳ ማይክሮፎን ብኽፉቱ ዝሃቡዎ ዘሕፍር ርእይቶ ኣብ መንጎ እቶም መራሕቲ ንዝነበረ ፍሕፍሕ ዝሕብር ምዃኑ እዩ።

ኣባላት ኔቶ ኣብ ስነስርዓት ምልዓል ስእሊ ፍሽኽታን ምጭብባጥ ኣእዳውን ኣየጉደሉን።እቲ ጥምረት ይሰርሕ ኣሎ እንተኾይኑ ግን ሕቶ ኣልዒሉ’ሎ።

መበል 70 ዓመት ምምስራት ናይቲ ጥምረት ንምኽባር ኣብ ለንደን ዝተኻየደ ኣኼባ ብዝብለጸ ክዝከር ዝኽእል ናይ ካናዳ ቀዳማይ ሚንስትር ጃስቲን ትሩዶን ካልኦት መራሕቲ ዓለምን ማይክሮፎን ብኽፉቱ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ትራምፕ ክስዕቑ ዝተርኣይሉ ኣጋጣሚ እዩ።

ብዛዕባ እዚ ዝተሓተቱ ፕረ.ትራምፕ ከምዚ ክብሉ መልሲ ሂቦም ኣለው።

“እወ! ክልተ መልክዕ ዘለዎ ሰብ እዩ።”

ቀ/ሚ ቱሩዶ ግን ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣየባጨኹን ኢሎም ኣለው።

“ኣብ መንጎ ካናዳን ኣሜሪካን ዘሎ ርክብ ኣዚዩ ፅኑዕ እዩ፤ምስ ፕረዚደንት ትራምፕን መሪሕነቶምን ፅቡቕ ርክብ ኣለኒ።”

እቲ ኣጋጣሚ ነቲ መንፈስ ቀይሩዎ እዩ።ፕረ.ትራምፕ ትማሊ ረቡዕ ድሕሪ ሰዓት ክህቡዎ ተታሒዙ ዝነበረ ጋዜጣዊ መግለፂ ራሕሪሖም፣ነቲ ጉባኤ ገዲፎምዎ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ናይ ፈረንሳይ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን እውን ቅድም ኢሎም ኔቶ ናይ ኣእምሮ ሞት ኣጋጢሙዎ’ሎ ክብሉ ተዛሪቦም ነይሮም።ተንተንቲ እቲ ጥምረት ብርፅም ናይቶም መራሕቲ ውልቃዊ ርክብን ራእይን ከቢድ ፀገም ከምዘጋጠሞ ይገልፁ ኣለው።

ናይ ኣሜሪካ ፈንድ ጀርመን ማርሻል ኣብ ዝተብሃለ ትካል ዝሰርሑ ኢያን ሌሰር መራሒ ክህልው ኣለዎ ይብሉ።

“ሓደ ሰብ ክመርሕ ኣለዎ።በቲ ሎሚ ዘላትሉ ጀርመን ክትመርሕ ኣይትኽእልን፤ቀሊል ኣይኮነን።ፈረንሳይ ነቲ ተራ ክትፃወት ትኽእል፤ኣሜሪካ የላን ማለት ግን ኔቶ የለን ማለት’ዩ”።

ሰበስልጣን ኔቶ ኣብ በጀት ምልክኻል ሃገራት ምዕባለ ተራእዩ’ሎ ይብሉ።ቱርኪ ቅድም ክብል ሒዛቶ ዝነበረ መርገፂ ኣባላት ጥምረት ኔቶ ንተዋጋእቲ ኩርዲ ኣሸበርቲ እዮም ኢለን ዘይእውጃ እንተኾይነን ንሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ ካብ ወራር ንምክልኻል ንዝቐርብ ትልሚ ክዓፅዎ እየ ዝብል መርገፂኣ ክትቅይር ኣባል ሃገራት ኣእምኔንኣ ኣለዋ።ናይ ኔቶ ዋና ፀሓፊ ጀንስ ስቶልተንበርግ ከምዚ ኢሎም።

“ናይ ኔቶ ፅንዓት ኩሉሻብ ከምዚኦም ዝበሉ ኣፈላላያት ከጋጥሙ ከለው ስዒርና ንቀንዲ ዕላማና ብምፅናዕ ነንሕድሕድና ክንከላኸል ምኽኣልና እዩ።ንፈለማ ግዜ ቻይና እናሓየለት ብምምፃኣ ዘፈጠሮም ብድሆታትን ዕድላትን ከምኡ እውን ንፀጥታና ዝህልዎ ትርጉምን ሪኢናዮ ኣለና።”

ናይ ብሪጣንያ ቀዳማይ ሚንስትር ቦሪስ ጆንሰን ብሪጣንያ፣ኣሜሪካ፣ኣውስትራሊያ፣ካናዳን ኒውዚላንድ ዝሓቖፈ ሓሙሽተ ኣዕንቲ ‘’Five Eyes’’ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ጥምረት ስለያ ክሕልው ኣለዎ ኢሎም።

29 መራሕቲ ኔቶ ኣብ ዘውፅኡዎ መግለፂ ንርእሶም ንምክልኻል ክሓብሩን ስጉምትትታ ሩሲያ ንፀጥታ ኣውሮጳን ስግረ ኣትላንቲክን/ዩሮ-ኣትላንቲክ/ ስግኣት እዩ ኢሎም።እዚ ብርቱዕ መጠንቀቕታ እዩ።