ዋንጫ ኣፍሪቃ ምስ ጋዜጠኛ ስፖርት ኣማኑኤል ኣልኣዛር

Your browser doesn’t support HTML5

ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ንሓደ ዓመት ድሕሪ ምንውሑ ካብ ጥሪ 9 ክሳብ የካቲት 6,2022 ኣብ ካመሩን ተኻይዱ። ትማሊ ሰንበት የካቲት 6,2022 ድማ ብፈላማይ ዓወት ሴኔጋል ተዛዚሙ'ሎ። ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ናይ ፍጻመ ግጥም ግብጺን ሴኔጋልን ምዱብ ናይ ጸወታ ጊዜ ብዘይሸቶ ድሕሪ ምዝዛሙ ብቕላዕ መቕጻዕቲ 4ብ2 ብዓወት ሴኔጋል ተዛዚሙ'ሎ። ነቲ ናይ ትማሊ ግጥም ብፍላይ ብሓፈሻ ድማ ንግጥም ዋንጫ ኣፍሪቃ ብዝምልከት ንጋዜጠኛ ስፖርት ኣማኑኤል ኣልኣዛር ኣዘራሪብናዮ ኣለና።