ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ እስራኤልን ፍልስጤምን ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ከብሉ ጸዊዑ

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ሓሙስ ብዛዕባ ግጭት እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ህጹጽ ኣኼባ የኻይድ ኣሎ። እቲ ህጹጽ ኣኼባ ዝካየድ ዘሎ ብውድብ እስላማዊ ምትሕብባርን ብሃገራት ዓረብን ዝቕረበ ሕቶ`ዩ።

ልዕሊ 10 ዝኾኑ ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ኣብቲ ኣኼባ ክርከቡ ናብ ኒው ዮርክ ከይዶም ኣለው:: ድሕሪ ምጅማር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ባይቶ ጸጥታ በዚ ደረጃ ብኣካል ኣኼባ ከካይድ ንመጀመርያ ግዜ`ዩ ።

እቲ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ብህጹጽ ደው ክብል ዝጽውዕ ዘሎ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብቲ ፍሉይ ኣኼባ መደረ ኣስሚዑ`ዩ።

ሎሚ ሓሙስ`ውን ተወሳኺ ዶብ-ሰገር ምትዃስ ኔሩ`ዩ- ነፈርቲ ኩናት እስራኤል ድማ ንኸተማ ቓዛን ከተማታት ዳኢር ኣል-ብላሕን ኻን-ዮኑስ ወቒዐን ኣለዋ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ምስ ሰበ-ስልጣን እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ንምዝርራብ ሎሚ ናብቲ ከባቢ ተጓዒዙ`ሎ- ። ዑደተይ ምስ ክልቲኦም ህዝብታት ዘለና ሓድነት ንምርኣይ`ዩ ዝበለ ሃይኮ- ማኣስ፡ ናብ ልዝብ ሰላም ብዛዕባ ምምላስ ከምዘልዕል`ውን ሓቢሩ`ሎ።

ናይ እስራኤል ቀዳማይ ሚኒስትር በንጃሚን ነተንያሁ ትማሊ ነቲ ብፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ዝቐረበ እስራኤል ደብዳባ ክተጉድል ዝጽውዕ- ክሳብ ዕላማና ነዐውት ክንቅጽሎ ኢና ብምባል ነጺግዎ`ሎ- ።

በቲ ግጭት ዛጊት 64 ቆልዑት ዝርከብዎም 227 ሰባት ኣብ ቓዛ ኣብ እስራኤል ድማ 12 ከምዝሞቱ ይግለጽ ኣሎ።