ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ቫይረስ ኮሮና ንምዕባለታት ኣፍሪቃ ብኣሉታ ይጸልዎ'ሎ ኢሎም

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፥ ንለበዳ ቫይረስኮሮና ኣብ ኣፍሪቃ ንምግታእ ዓለምለኸ ሓድነት ክህሉ ጸዊዖም። ንሶም ወሲኾም ነታ ኣህጉር ካብ ፋይናንሳዊ ቅልውላው ንምድሓን፥ ስርዓታት ጥዕናን ቀረባት-መግብን ንምሕያል ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።

ጉተረስ፡ ሃገራት ኣፍሪቃን ሕብረት ኣፍሪቃን ነቲ ቫይረስ ኣብ ምክልኻል ንዝወሰድዎ ስጉምቲ`ቲ ውን ኣመጉሶም።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምክልኻል ቫይረስኮሮና ሃገራት ኣፍሪቃ ዝወሰድኦ ስጉምቲ ድሕሪ ምምጓስ እቲ ለበዳ ንዕበየት ኣፍሪቃ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ`ሎ ይብል።

እቲ ለበዳ፥ ነቲ ዝጸንሐ ዘይምዕሩይ ናብራ፥ ዘይበለየ ጥምየት፡ ጉድለት ኣመጋግባን ተቐላዕነት ሕማምን ከምዘጋድዶ`ውን የዘኻኽር።

ኣፍሪቃ ተፍርዮም ነገራት፥ ቱሪዝም ከምኡ`ውን ካብ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዝልኣኽ ገንዘብ ብምጉዳሉ ሚልዮናት ናብ ድኽነት ክሽመሙ`ዮም ዝበለ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፥ ክታበት ኣብ ዝርከበሉ እዋን ንኹሉ ማዕረ ዕድል ዝኸፍት ክኸውን ኣለዎ ኢሉ።

ከም ሓበሬታ ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣፍሪቃ፥ ኮቪድ 19 ልዕሊ 2,800 ሰባት ኣብታ ኣህጉር ቀቲሉ`ሎ- መብዛሕቲኦም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ: ግብጺ:ኣልጀር:ያ ሞሮኮን ናይጀርያን`ዮም።

ግብጺ ኣብ ጾም ሮመዳን ኩሉ ኣብ ገዝኡ ክዕጾን ኣብ ደገ ድማ ማስኬራ ክገብርን ኣዚዛ`ላ።

ኣብ ስጳኛ ድማ ካብ ጽባሕ ሓሙስ ጀሚሩ ነቶም ክልተ ሜትሮ ክፈናተቱ ዘይክእሉ ቆልዑ፥ ልዕሊ ሽዱሽተ ዓመት ዝኾኑ ኩሎም ማስኬራ ክገብሩ ኣዚዛ`ላ።

ቻይና ድማ ትማሊ ኣብ ጂሊል ዝተባህለት ክፍለ-ግዝኣት ሓዲሽ መልከፍቲ ስለ-ዝረኸበት ኣብ ምክልኻሉ ዓጢቓ`ላ።

ኣብ ህንዲ፡ ካብ ገጠራት ናብ ከተማ ምስ ኣተዉ ብሰንኪ ምዕጻው ቫይረስ ኮሮና ተዓጽዮም ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ነናብ ዓዶም ክምለሱ ዕድል ይኽፈተሎም ኣሎ- ባቡራት ህንዲ ካብ ባሕቲ ሰነ ጀሚረን ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ክንቀሳቐሳ`የን።

ባሕቲ ሰነ ንሆላንድ ከኣ ሓዲሽ ምዕራፍ`ያ- ኣብያተ መስተን መግብን ኣብያተ ሲነማታትን ኣዳራሻት ክኽፈታ`የን።

ኣብ ዙርያ ዓለም ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ 4.9 ሚልየን- ዝሞቱ 323 ሺሕ ምምዝጋቦም ተሓቢሩ’ሎ።