ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ምስ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ዶ/ር ደብረጽየንን ምዝርራቦም ወሃቢ ቃሎም ኣፍሊጡ

  • ዜና ቪኦኤ

ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ስቴፈን ዱጀሪክ -ፋይል

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ምስ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤልን ተዘራሪቦም።

ወሃቢ ቃል እቶም ዋና ጸሓፊ ስቴፈን ዱጀሪክ ምስ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ዝተዘራረቡ ጉተረዝ ውግእ ብህጹጽ ደው ክብልን ኩሉ ሓቆፍ ፖለቲካዊ ልዝብ ንክጅምርን ጸዊዖም ኢሉ።

ሕቡራት ሃገራት ንተበግሶ ሽምግልና ሕብረት ኣፍሪቃ ንምድጋፍ ቅሩብ ከምዝኾነ’ውን እቲ ወሃቢ ቃል ኣፍሊጡ'ሎ።