ዋሽንግተን —
ዋና -ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ዞባ ሳሕል ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ግብረ ሽበራዊያን`ውን በቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ጣሊባን ናብ ስልጣን ዝተመለሰሉ ኩነታት ክተባብዑ ይኽእልዩ`ዮም ክብል ኣጠንቂቖም።
ርኡይ ሓደጋ`ሎ ዝበሉ ጉተረዝ፡ ኣብ ዞባ-ሳሕል ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐሱ ግብረ ሽበራዊያን ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዘይነበሮም ሓሳብ ከምጽኡ ይኽእሉ`ዮም ኢሎም።
እቲ ዞባ ድኹም ኩርናዕ`ዩ ዝበሉ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ሎሚ ኣብ ማሊን ቡርኪናፋሶን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ኣይቮሪኮስትን ጋናን ከይተረፈ ሰሊኾም ዝኣትዉ ግብረ ሽበራዊያን ኣለዉ ኢሎም።
ዋና- ጸሓፊ ጎተረዝ፡ ኣብቲ ዞባ ብሕቡራት ሃገራት ዝምወል ኣፍሪቃዊ-ሓይሊ ክምደብ ይደልዩ ምዃኖም ብምግላጽ ኣብቲ ዞባ ንጥፍቲ ዝኾነት ፈረንሳ ነቲ ሓሳብ ከምትድግፍ: ዋና መዋሊት ገንዘብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነት ኣመሪካ ግን ነቲ ሓሳብ ትነጽጎ`ላ።