ዋሽንግተን —
ዳይሬክተር ሜቴክ ማለት መፍረ ኮርፐረሸን ምህርቲ ሓጺን ኢትዮጵያ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ።
እዚ ዝተሓበረ ብመገዲ ወግዓዊ መራኸቢ ኢትዮጵያ ብቪድዮ ተሰንዩ ዝተገልጸ ሓበሬታ ከምዘረድኦ ፡ እቶም ዳይረክተር እቲ ኮርፐረሽን ዝኾኑ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ብፍሉይ ሓይሊ ክልል ትግራይ ኣብ ከባቢ ሑመራ ተታሒዞም ናብ ኣባላት ጸጥታ ፈደራል ከምዝተመሓላለፉ እዩ ዝገልጽ።
ዋና ኣኽባር ሕጂ ኢትዮጵያ ኣቐድም ኣቢሉ ቁጽሮም 63 ዝበጽሕ ላዕለዎት: ማእከሎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝርከብዎምን ካልኦትን ብዝተፈላለየ ክሲ ብልሽውንና ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ እሱራትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ገሊጾም ነይሮም።
Your browser doesn’t support HTML5
ዋና ዳይሬክተር ሜቴክ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም