ወፍሪ ሰላም

Your browser doesn’t support HTML5

“ወፍሪ ሰላም” ብዝብል ስያመ ኣብ ኣመሪካ፡ ብተወላዶ ትግራይን ኤርትራን ዝተመስረተ ትካል፡ ኪንዮ ውግእን ወረ-ውግእን ንሓባራዊ ወፍሪን ዕብየትን ብዝብል ትልሚ ተበጊሱ ኣሎ። ብዛዕባ'ዚ ምትእኽኻብን ዕላማታቱ ኣመልኪቱ ንኽልተ ኣብቲ ምትኽካብ ዝነጥፉ ኣባላቱ ዶክተር መንግስተኣብ ተስፋዮሃስ፡ መምህርን ተመራማሪን ኣብ ኒው-ዮርክ ዩኒቨርስቲ ከምኡ’ውን ኣቶ ማእከለ ሃይለሰላሰ መንገሻ በዓል ሞያ ሪል ስትይት ካብ ሲያትል ዋሽንግተን ኣዘራሪብና ኣሎና።