ወዲ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ንመዝነት ፕረዚደንትነት ከም ዝወዳደር ይገልጽ

ምሁዚ ካይነርጉባ - ፋይል

‘ወለዶና ክዕምብብ ጊዚኡ’ዩ’ ዝበለ ኣካታዒ ወዲ ንኡጋንዳ ነዊሕ ዝመርሑ ዩዌሪ ሙሰቨኒ፣ ኣብ’ቲ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ዝሳለጥ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከምዝሳተፍ ኣፍሊጡ። ምሁዚ ካይነርጉባ ነዚ መግለጺ ዝሃበ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝወጸን ዳሕራይ ኣብ ዝጠፍአን መልእኽቲ ትዊተር እዩ።

ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ፡ እቲ ምስ ኬንያ ከይተረፈ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ዝፈጠረ ተባራዕቲ መልእኽታት ብምፍናው ዝልለ ካይነሩጋባ፣ ንፕረዚደንት ይቀራረብ ነይሩ እዩ።

48 ዓመት ዝዕድሚኡ ኡጋንዳዊ ጀነራል፣ ቅድሚ ሎሚ ነቶም ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ሞንጎ ነዊሕ ዝመርሑ ኣቡኡ ኣይትክእን እየ እንተበለ፣ ኣብ ስልጣን ሰራዊት ኡጋንዳ ግና ኣብ መሪሕነት ኣሎ።

ንሱ ኣብ ዝፈነዎ ትዊተር ‘ብሽም እየሱስ ክርስቶስን ብኣምላኸይን፣ ብሽም ኩሎም ኡጋንዳዊያን መናእሰይን ብሽም ህዝቢ ዓለምን ብሽም ዝዓበየ ናዕቢን፣ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ናብ ፕረዚደንት ክበቅዕ እየ’ ከምዝበለ ትካል ዜና ፈረንሳ ጠቒሱ።

ንሱ ኣብ ልዕሊ’ቶም 78 ዓመት ዝዕድሚኦም ወላዲኡ ዓሊሙ ኣብ ዝጻሓፎ ትዊተር ድማ ‘ጊዜና ከምዝኣኸለ ክንደይ ሰባት ምሳይ ትሰማምዑ ትኾኑ? ይገዝኡና ዘለው ኣረጋውቲ ይኣኽሎም! ብሒቶምና! ወለዶና ክዕምብብ ጊዚኡ እዩ! ደጋጊምኩም ነዚ ኣባሃህላ’ዚ ዘርግሕዎ’ ይብል ።

ንሱ ወሲኹ፣ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ብልሽውና ዝጀመሮ ውግእ ፈሺልዎ ኣሎ። መንግስቲ ኡጋንዳ፣ ናብ ቁሸታት ዝተላኣኸ መስርሕ ገዛ ኣቑሑት ድሕሪ ምስራቑ ንከጻሪ ዘቆሞ ኮሚቴ ሚኒስትራትን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ምዕሩይ መስርሕ ምጽራይ ክገብሩ ኣይካኣሉን ኢሉ ይወቅስ።

ካይነሩጉባ፣ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ዝፈነዎ መልእኽቲ ትዊተር ‘ሰራዊቱ መሪሑ ኣብ ናይሮቢ ንክበጽሕ ዝወስደሉ ጊዜ ክልተ ሰሙን ጥራሕ እዩ’ ከምዝበለ ዝዝከር እዩ። ኣቡኡ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ብወገኖም ነቲ እንኮ ወዶም ክከላኸልሉ ፈቲኖም እዮም። ‘ንሱ ንፉዕ ጀነራል እዩ’ ክብልዎ ከለው፣ ካብ ዝነበሮ ኣዛዚ ኣጋር ሰራዊት ኡጋንዳ ግና ከምዘውረድዎ ዝዝከር እዩ።

ብዘይካዚ፣ ካይነሩጋባ፣ ንተዋጋእቲ ሓይልታት ትግራይ ደጊፉ ዝጻሓፎ መልእኽቲ ትዊተር ንሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ኣቁጢዕዎም ነይሩ። ንሱ ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይንን ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣብ ጊኒ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ዕልዋ ኣመልኪቱ ዝፈነዎም መልእኽቲ ትዊተር’ውን እንተኾኑ፣ ሰሓቦ ጉተቶ ከም ዝፈጠሩ ዝዝከር እዩ።