ወታሃደራዊ ዕልዋ ሱዳን ንመስርሕ ዲሞክራሲ'ታ ሃገር ምህሳዩ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ገሊጹ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል
    ዜና ቪኦኤ

ንወታሃደራዊ ዕልዋ ስዒቡ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ -ፋይል

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ኣብ ጥቅምቲ 25,2021 ዝተገብረ ወተሃደራዊ ዕልዋ፡ ነቲ ስንከልከል ዝብል ዝነበረ ደሞክራሲ ከቢድ ሃስያ ኣውሪድሉ`ዩ ኢሉ ።

ኮሚሽነር`ቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሚሸል ባቸለት ኣብ ዘቕረበቶ ሪፖርት፡ ተጀሚሩ ዝነበረ መስርሕ ደሞክራሲ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ድሕሪ ምዕጻፉ ሱዳን ዳግም ናብ ዓሙቕ ቅልውላው ትጸድፍ ኣላ ኢላ።

ድሕሪ`ቲ ዕልዋ ብዙሓት ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸሙ ከምዘለዉ`ውን ኣብቲ ሪፖርታ ኣመልኪታ`ላ።