ወታሃደራዊ ኣዘዝቲን ተቓወምቲን ሱዳን ተሰማሚዖም

ወታሃደራዊ መሪሕነት ሱዳንን ሕብረት ተቓወምቲን ኣብታ ሃገር ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ዘሎ መሰጋገሪ እዋን ነታ ሃገር ዘመሓድር መሪሕነት ንምምቓል ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም ተገሊጹ።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ኣብ ካርቱም ድሕሪ ዘካየድዎ ልዝብ “ኣብታ ሃገር ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ንዝመጽእ ሰለስተ ዓመታት ክልቲኦም ወገናት በብተራ ንቤት ምኽሪ ሉአላዊነት ክመርሕዎ ምስምማዖም” መንጎኛ ሕብረት ኣፍሪቃ መሃመድ ሓሰን ለባት ሓቢሮም ።

Your browser doesn’t support HTML5

ወታሃደራዊ ኣዘዝቲን ተቓወምቲን ሱዳን ተሰማሚዖም

ኣብ ሱዳን ንዝሓለፈ ኣዋርሕ ክካየድ ዝጸንሓ ተቓውሞታት ክመርሖ ዝጸንሓ ማሕበር ሰብ ሞያ ሱዳን ክልቲኦም ወገናት ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም መግለጺ ሂቡ'ሎ።

እቲ 11 አባላት ዘለውዎ ቤት ምኽሪ ሉአላዊነት 5 ካብ ሲቪል: 5 ካብ ወታሃደራዊ መሪሕነት 1 ድማ ብክልቲኦም ወገናት ዝተመርጸ ሲቪል ክምራሕ ምስማምዖም'ውን ተገሊጹ'ሎ።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዘጋጠመ ግጭት ብዝምልከት ምርመራ ክካየድ ተሰማሚዖም ኣለው ።

እተን ንኣዋርሕ ብናይ ተቓውሞ ሰልፊታት ክሕመሳ ዝጸንሓ ከተማታት ሱዳን'ውን ሎሚ ሓጎሶም ብዝገልጹ ዜጋታት ኣዕለቕሊቐን ውዒለን ኣለዋ።

ብዙሓት እውን ነዚ ስምምዕ መጀመርታ ናይ ሓድሸ ዘመን ክብሉ ገሊጾሞ ኣለው።