ወታሃደራዊ መራሕቲ ሱዳን ዕላምኦም ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምምስራት ምዃኑ ገሊጾም

Your browser doesn’t support HTML5

ድሕሪ ምእላይ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ነታ ሃገር ዝመርሑ ዘለው ወታሃደራዊ መራሕቲ ሱዳን ሲቪላዊ መንግስቲ ብቕልጡፍ ናይ ምምስራት ዕላማ ከምዘለዎም ትማሊ ሶኑይ ገሊጾም። ወሃቢ ቃል ቤት ምኽሪ ወታሃደራዊ መሰጋገሪ ሌተናል ጀነራል ሸምሸዲን ኪባሺ ትማሊ ሶኑይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፖለቲካን ማሕበራዊ ጉጅለታት’ታ ሃገር ልዝብ ይካየድ ከምዘሎ ገሊጾም።