ዋሽንግተን —
ወታሃደራዊ መሪሕነት ሱዳንን ተቓወምቲን መዝነት ንምምቕራሕ ሎሚ ረቡዕ ስምምዕ ተፈራሪሞም ኣለው።
ተወከልቲ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ሓይልታት ኣዋጅ ንናጽነትን ለውጢን ሎሚ ረቡዕ “ኣዋጅ ፖለቲካ” ዝተባህለ ስምምዕ ምምቕራሕ መዝነት ተፈራሪሞም።
ስምምዕ ቅዋም ዝጽዋዕ ካልኣይ ክፋል’ቲ ስምምዕ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ዘሎ ጊዜ ከምዝፈራረሙ’ውን ተገሊጹ’ሎ።
Your browser doesn’t support HTML5
ወታሃደራዊ መሪሕነትን ተቓወምቲን ሱዳን ስምምዕ ኣዋጅ ፖለቲካ ተሰማሚዖም
እዚ ስምምዕ ድሕሪ ምውዳቕ ወታሃደራዊ መሪሕነት ዑመር ኣልበሽር ኣብታ ሃገር ንኣዋርሕ ዝጸንሓ ተቓውሞን ዘይምርግጋእን ንምህዳእ ፈላማይ ስጉምቲ ክከውን ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።
እቲ ስምምዕ ካብ ክልቲኡ ወገናት ዝተዋጽኡ አባላት ቤት ምኽሪ ሉኣላዊንት ኣብታ ሃገር ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ነቲ ሃገር ከምዝመርሑ ይገልጽ።
ብተወሳኺ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታን ሰልፈኛታት ዘጋጠመ ግጭት ምርመራ ክካየድ ምስምማዖም ተገሊጹ’ሎ።
Your browser doesn’t support HTML5
ወታሃደራዊ መሪሕነትን ተቓወምቲን ሱዳን ስምምዕ ኣዋጅ ፖለቲካ ተፈራሪሞም