ወታሃደራዊ መራሕቲ ሱዳን ነቲ ብኢትዮጵያ ዝቐረበ ምስታፍ መራሕቲ ተቓወምቲ ኣብ መዝነት ዝብል ሓሳብ ከምዘይቕበልዎ ትማሊ ሶኑይ ኣፍሊጡ።
ኢትዮጵያ ኣብ መጀመርያ’ዚ ወርሒ ኣብ መንጎ ተቓወምቲን ወታሃደራዊ መሪሕነት’ታ ሃገርን ግጭት ድሕሪ ምግጣሙ ክልቲኦም ወገናት ናብ ልዝብ ንምምላስ ጻዕሪ ከተካይድ ጸኒሓ’ያ።
ሕብረት ተቓወምቲ ዝኾነ ሓይልታት ንኣዋጅ ናጽነትን ለውጢን ዝተባህለ ውድብ ነቲ ብኢትዮጵያ ዝቐረበ ሓሳብ ከምዝቕበሎ ኣቐዲሙ ምፍላጡ ይዝከር።
ምክትል ኣቦ መንበር ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል መሃመድ ሓምዳን ዳያሎ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዝሃቦ ቃል ዕላማ ፍሉይ ልኡኽ ኢትዮጵያ መሃመድ ዲርዲሪ ምስ ናይ ተቓወምቲ ውድብ ልዝብ ንምቕጻል እንበር ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ “ ጸገም መፍትሒ ንምንዳይ ኣይኮነን” ኢሎም ኣለው።
“ዕላማ እቲ ናይ ኢትዮጵያ መንጎኛ ክልቲኦም ወገናት ንልዝብ ምድላው እዩ። ይኹን ደአ እምበር ክልቴና ኣብ ጉዳይ ቤት ምኽሪ ሉኣላዊነት ኣይተሰማማዕናን። ትእዛዝ ድማ ኣይንቕበልን” ኢሎም።
ጀነራል ዳያሎ እቲ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ተቓዋሚ ውድብ መንግስቲ ክምስርት ኾነ ምምስራት ሲቪላዊ መንግስቲ ከምዘይቓወም እንተኾነ “እዚ ዝኸውን ብምርጫ ጥራይ’ዩ” ኢሎም።
ንሶም ብተወሳኺ ምስ ተቓወምቲ ዝካየድ ልዝብ ሰላም ንምቕጻል ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ኩሎም አባላት ተቓወምቲ ውድባት ምፍትሖም ኣፍሊጦም ኣለው።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ትማሊ ሶኑይ ቡሪ ዝተባህለ ቦታ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምብታን ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ምትኳሱ ተፈሊጡ’ሎ።
ሓይልታት ኣዋጅ ንናጽነትን ለውጢን ብወገኖም ልዝብ ምስ ወታሃደራዊ መሪሕነት ቕድሚ ምቕጻሉ እምነት መንበሪ ስጉምቲታት ክውሰድ ይጽውዑ ኣለው።
ላዕለዋይቲ ኮሚሽነር ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሚቸል ባቻት ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ኣብታ ሃገር ተፈጺሞም ንዝተባህሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምርማር ክተሓባበሩ ተሓቲቶም መልሲ ከምዘይሃቡ ይገልጻ።
ንሰን ብተወሳኺ ወታሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን ኣገልግሎት ኢንተርነት ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ክመልሶ ጸዊዓን ኣለዋ።