ዋሽንግተን —
ወታደራዊ ሓይልታት ኡጋንዳ ምስ ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ ብምዃን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዋና ከተማ ካምፓላ ርእሰ ቕትለታዊ መጥቓዕቲ ፈፂሞም ዝብሃሉ እስላማዊ ዕጡቓት ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዶም።
ኡጋንዳዊት ብርጌደር ጀነራል ፍላቪያ ባይክዋሶ ምስ ሰራዊት ኮንጎ ብሓባር ብምዃን ኣብ ልዕሊ ካምፕታት ደባይ ተዋጋእቲ ዲሞክራስያዊ ጥምረት (ADF) ናይ ኣየርን ከቢድ ብረትን ደብዳብ ከምዘካየዱ ንድምጺ ኣመሪካ ኣረጋጊፀን ኣለዋ።
ሰበስልጣን ኡጋንዳ፣ ኣብ’ዚ ቀረባ ከምዝገለጽዎ ‘ሓሙሽተ ሰባት ንዝቐተለ ርእሰ ቕትለታዊ መጥቓዕቲ ፈፃሚኡ ደባይ ተዋጋእቲ ዲሞክራስያዊ ጥምረት (ADF) እዩ ይብሉ።
ኣብ መጀመሪያ እዚ ወርሒ’ዚ ንኣባላት ደባይ ተዋጋእቲ ዲሞክራስያዊ ጥምረት (ADF) ኣብ ዝኣተውዎ ኣትዮም ከምዝሃድኑዎም ዝተዛረቡ ፕረዚዳንት ዮወሪ ሙሰቨኒ ቅድሚ እዚ ናይ ሎሚ ሰሉስ ንጉሆ ደብዳብ ነፈርቲ፣ ካብ ሰነ ጀሚሩ 12 ኣባላት ተቐቲሎም 16 ድማ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ተዛሪቦም ኣለው።