ወታሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን 138 ብዘይሕጋዊ መንገዲ ሊብያ ክኣትው ዝፈተኑ ስደተኛታት ምሓዞም ገሊጾም

Your browser doesn’t support HTML5

ወታሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን 138 ብዘይሕጋዊ መንገዲ ሊብያ ክኣትው ስደተኛታት ምሃዞም ገሊጾም። እቶም ስደተኛታት ካብ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ሱዳንን ቻድን ዝመጹ ምኳኖም ተፈሊጡ’ሎ። ካብ ከተማ ካርቱምም 100 ኪ.ሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ንዝርከቡ ስደተኛታት ጋዜጠኛታት ከይዶም ከምዝተዓዘብዎም ወኪል ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ’ሎ። ወታሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ብሊብያዊያን ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ዝውነና ሹሽተ መካይን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ሓቢሮም ኣለው።