ወራር ሩስያ ኣብ ዓመቱ፤ ሕ/ሃ ሩስያ ክትወጽእ ይጽውዕ፡ ኤርትራ እትርከብን 7 ሃገራት ይቃወማ

  • ዜና ቪኦኤ

ሎሚ ዓርቢ፡ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ሓደ ዓመቱ ኣብ ዝመልኣሉ ዘሎ እዋን፡ ሓያሎ ደገፍቲ ዩክሬን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዘኪሮም። ኣብ ብዙሓት ከተማታት በበይነን ሃገራት ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፡ ንግዳያት ዝዝከር ሽምዓን ክገብሩ እንከለዉ፡ ኣመሪካ ድማ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሳኺ ናይ ሰደድ እገዳ ኣንቢራ ኣላ።

ሩስያ ብወገና ሰራዊታ ኣብ ዩክሬን ወታሃደራዊ ዓወታት የመዝግብ ከም ዘሎ ሓቢራ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብምኽንያት ቀዳማይ ዓመት ወራር ሩስያ፡ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ሩስያ ካብ ዩክሬን ጠቕሊላ ክትወጽእ ዝእምም ውሳነ ኣብ ዘቕረበትሉ 141 ሃገራት ነቲ ውሳነ ክድግፋ እንከለዋ፡ ቤላሩስ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ሶርያ፡ ኤርትራ፡ ማሊ፡ ኒጋራጓን ሩስያን ተቓዊመንኦ። ነቲ ውሳነ ኢትዮጵያ እትርከበን ቻይና፡ ህንዲ፡ ፓኪስታንን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝሓወሰ 32 ሃገራት ብድምጺ ተዓቅቦ ሓሊፈንኦ ኣለዋ። እቲ ውሳነ ብሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ደኣ ይሕለፍ እምበር፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ምስ ሰገረ፡ ሩስያ ንድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር ብዘለዋ መሰል ውዱቕ ክትገብሮ ብምዃና ተግባራዊ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ።